English shape=
   

ብዛዕባና - ABOUT US

መሰረት እምነትና:
1. መጽሓፍ ቅዱስ (እተን 66 መጽሓፍቲ) መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ዝዀነ ጌጋ ዘይብሉን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ኪንነብር ከሎና ድማ እቲ እንኮን በይኑን መሰረት ናይ ህይወትና እዩ።
2. ብሰለስተ ኣካላት ህልውንኡ ካብ ዘለኣለም ብዝዀነ ሐደ ኣምላኽ ንኣምን፡ እዞም ሰለስተ ኣካላት ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ይበሃሉ።
3. ኣምላኽነት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ድንግል ምውላዱ፡ ፍጹም ሰብ ግን ከኣ ሓጢኣት ዘይለገቦ ምዃኑ፡ ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል በጃና ከም ዝሞተን፡ ብስጋ ከም ዝተንሰአን፡ ናብ የማን ኣቦ ከም ዝዓረገን፡ ነቶም ቅዱሳኑ ኪወስድ ካልኣይ ጊዜ ናብዚ ምድሪ ብኽብሪ ኪምለስ ምኳኑን ንኣምን።
4. ኩሎም ሰባት ብመንፈስ ዝሞቱ ምኳኖም ብፍጹም ካብ ኣምላክ ዝረሐቑ ምኳኖምን ንኣምን። ሓጢኣት ሰባት ምእንቲ ኪሕደግ እቲ እንኮ መገዲ ንስሓን፡ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ምኳኑ ንኣምን።
5. ሰብ ውሉድ ኣምላኽ ኪኸውን ብስራሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ከም ዝውለድ ንኣምን።
6. ሰብ ንክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ከም ዝጸድቕን (justified) መርትዖ ናይዚ ድማ ንኣምላኽ ዘኽብር ሰናይ ግብሪ ኣብ ህይወት ናይቲ ሰብ ከም ዝግለጽን ንኣምን።
7. ድሕሪ ዳግማይ ልደት ኣብ ማይ ብምጥሓል ሰብ ኪጥመቕ ከም ዘለዎ ንኣምን፡ እዚ ከኣ ብስም ኣቦን፡ ወዱን፡ መንፈስ ቅዱስን ከም ዝፍጸምውን ንኣምን።
8. ብቓልን ብግብርን ንሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንምምስካር፡ ሰባት ብቐጻሊ ብመንፈስ ቅዱስ ኪምልኡ ከም ዘለዎም ንኣምን።
9. ጻድቃን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ እቶም ሓጥኣን ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ኩነኔ ከም ዝበራበሩ ንኣምን።


ብዛዕባ ዛክ ፖነን - ABOUT Br.Zac Poonen

ዛክ ፖነን ኣቐዲሙ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኰይኑ ኣብ ህንዲ መምህር ናይ ቃል ኣምላክ ብምኳን ን40 ዓመታት ዝኣክል ንጐይታ ከገልግሎ ጸኒሑ ኣሎ። ናይ ብዙሓት ማሕበራት (ቤተ ክርስቲያናት) ሓላፍነት ድማ ኣለዎ።
ብዙሓት መጽሓፍትን፡ ሓጸርቲ ጽሑፋትን ድማ ብቛንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ እዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ ናብ ካልእ ናይ ህንዲ ቋንቋታት ክትርጎም ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ህንድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ኰይኑ ዝመሃሮ ትምህርትታት ብመልክዕ ድምጽን ቪድዮን ካሴታትን ሲዲታትን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። (መጽሓፍቲ፣ ድምጽን ቪድዮን ዝብል ክፍሊ ተመልከት)
ከምቶም ካልኦት ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ. ዘለዉ መራሕቲ ዛክ ፖነንውን ንርእሱን ስድራቤቱን “ድንኳን ብምስፋይ” እዩ ዝድግፍ። ብምኽንያት ኣገልግሎቱ ድማ ዝዀነ ደሞዝ ኣይቅበልን እዩ። ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ. ካብ ዝዝርጋሕ ብድምጺ ዝተቐርጸ፡ ብቪድዮ ካብ ዝቀርብ ወይ ብመልክዕ ሲዲታት ካብ ዝቐርብ ስብከታቱ ዝዀነ ሽያጥ ገንዘብ ኣይቅበልን እዩ።


ነዚ ገጽ ብኢይመይል ስደዶ | ርኸቡና

© Copyright - Christian Fellowship Church , Bangalore. (INDIA)