English shape=
   


መእተዊ - Introduction
Rእዛ ሎሚ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ. (c.f.c) እትርከብ ዘላ ማሕበር ኣመንቲ መጀመርያ ኣብ ህንዲ፡ ባንጋሎር ዝተባህለ ከተማ ብነሓሰ 1975፡ ብውሑዳት ቤተሰብ እያ ጀሚራ። ሽዑ እቶም ነቲ ጉባኤ ዝጀመሩ ኣመንቲ መጀመርያ ንርእሶም ደቀመዛሙርቲ ጐይታ ንምዃን ብድሕርዚ ድማ ንኻልኦት ደቀመዛሙርቲ ንምግባር እዮም ወሲኖም። እዚ ድማ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ማቴ 28፡18-20 ዝሃበና ተልእኾ ብምእዛዝ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓድሽ ልደት፡ ኣብ ዝተቐደሰ ውሽጣዊ መንነት፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ፡ ሞራላዊ ንጽህና፡ ቅንዕና ዘለዎ ናይ ገንዘብ ኣታሕዛ፡ ካልኦት ሓቅታት ናይ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምንጋር ኬተኩሩ ድማ እዮም ተሰማሚዖም። ንኹሉ መኣዝናት ናይ ህይወቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ መሰረት ኪገብሩ ድማ ወሲኖም ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ብዘይ መጠን ባሪኹና እዩ፡ ንብዘላ ዓለም ወንጌል ኪንሰብኽ ድማ እዚ ዕዳ እዚ ኣሰኪሙና እዩ። ንኹሉ እቲ ዘሎና ካብ ጐይታ ብኸምኡ ስለ ዝተቐበልናዮ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ንዘሎ ኩሉ ነገር ብኸምኡ ኢና ኪንህበኩም ወሲና። ነዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብ እትድህስስሉ ጊዜ ኣምላኽ ኪባርኸኩም ጸሎትና እዩ። ኪትጽሕፉልና ድማ ኪንጽበየኩም ኢና።

ምንባብ ቀጽል...

"ርእይቶኹም" - If you have any comments or questions, please write to us:
cfc@cfcindia.com
መጽሓፍቲ
Books by Zac Poonen
ሓጸርቲ ጽሑፋት
Special articles by Zac Poonen
ነዚ ገጽ ብኢይመይል ስደዶ | ርኸቡና

© Copyright - Christian Fellowship Church , Bangalore. (INDIA)